- Author: Paulos Habte
- | USA
- | Rating 5.0
ጸ ሎ ት ሕ ይማኖት..... ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ፣ አኃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ፣ ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ። ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ወልደ አብ...
ኒቆዶሞስ መምህር ን ኦሪትንናይ ለኡቲ ተምሃራይ ናይ ጎይታን!
ዮሃንስ 3፡10
ኢየሱስ ድማ መሊሱ በሎ፥ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧
ዮሃንስ 3፡1-
1: ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ።
2: ንሱ ብለይቲ ናብ ኦየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።
3: ኢየሱስ ድማ ሰብሲ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። 4: ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድ ይከአሎ እዩ፧ በሎ።
5: ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን።
6: ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። 7: ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም።
8: ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃይ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ።
9: ኒቆዲሞስ ከኣ፥ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧ ኢሉ መለሰሉ።
10: ኢየሱስ ድማ መሊሱ በሎ፥ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧
11: ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስክር አሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።
12: ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧
13: ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እኳ የልቦን።
14-15: ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ።
16: ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
17: ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።
18: ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ።
19: እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ።
20: ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን።
21: እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።
ኣብዞ ምስ ኒቆዲሞስ ዝየገብረ ትምህርቲ ጎይታ መን ምዃኑን ትምህርቲ ኒቆዲሞስ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ከመክሕ ከምዘይክእልን ይምህረና፡ ኒቆዲሞስ እታ ኣቐዲሙ ዝገለጻ ዮሃንስ 3፡2 ” ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፡ “ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ ” በሎ። ዘይፈልጥ እንተዝኸውን ክምኡ ኣይምስበሎን! ብዛዕባ ዳግማይ ምውላድ ግን ኣፍልጦ ኣይነበሮን። ስለዝኾነ እዩ ኸኣ ሰብ ምሉእ ኣይኮነን ዝነሃል።
1. ብዘይካ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ | 2. ስእልን ምስልን ኣይተምልኽ | 3. ስም እግኣብሔር ብኸንቱ ኣይተልዕል | 4. መዓልቲ ሰንበት ኣኽብር | 5. ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር | 6. ኣይትቕተል | 7. ኣይትዘሙ | 8. ኣይትስረቕ | 9. ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር | 10. ኣይትመነ.
DONATIONS
Unfortunately the church need support from members and voluntary donations. The church asking you all members and voluntary to understand this. Please use church bank account number 16078503770 OR use vipps to 501129.
If any questions contact us here, thank you god bless you all.
Church service Hrs Friday 16፡00–20፡00 Sunday 06፡00–14፡00
Organisasjonsnr 987 807 7090
Copyright © 1985-2024 Eritrean orthodox church Oslo Norway