- Author: Paulos Habte
- | USA
- | Rating 5.0
ጸ ሎ ት ሕ ይማኖት..... ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ፣ አኃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ፣ ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ። ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ወልደ አብ...
ርሑስ በዓለ ግርዘት ( ግዝረት ) ይግበረልና! ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕጊ ክፍጽሞም እምበር ክስዕሮም ኣይመጻእኩን ከም ዝበለ ብ 6 ጥሪ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ገዛራይ ክገርዞ ተዳለወ ገይታ ግን ቅድሚ እታ መዓልቲ ደም ብዘይምፍሳስ ክትገርዘኒ ትኽእል ዲኻ ክብል ሓተቶ! ቃል ወዲ 8 መዓልቲ ዝሰምዐ ገዛራይ ሰንቢዱ መላጸኡ ደርበየ፡ ብተኣምር ከኣ ብዘይ ምፍሳስ ደም ግዝረት ተፈጸመ!! ደም ጎይታ ንድሕነት ኩሉ ዓለም ዝፈሰሉ ዓርቢ 27 መጋቢት ኣብ ቀራንዮ እዩ፡ ቅድሚ እታ መዓልቲ ዝበላ ኸኣ ን ዓርቢ 27 መጋቢት እዩ፡ ግዝረት ግን ሕጊ ዘልኣለም ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ቃልኪፋን ስለዝኾነ እቲ ሰን ዝኾነ ጎይታ ፈጺምዎ፡ ስለዝኾነ ኸኣ ኩሉ ውሉደ ጥምቀት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ ሻምናይ መዓልቱ ይግረዝ፡ በንጻሩ እቶም ወገን ኢስማዒል ዝኾኑ ኣብ መበል 13 ዓመቶም ይግዘሩ፡ ኣቦና ኣብርሃም ክግዘር እንከሎ ወዲ 99 ዓመት ነበረ ኢስማዒል ወዱኸኣ ወዲ 13 ዓመት ባሮቱ ኸኣ ከከም ዕድሚኦም ያዕቆብ ምስ ተወለደ ኸኣ ኣብ 8ይ መዓልቱ ገረዝዎ።
”ዘፍጥረት 17 ፡ 9: ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም በሎ፡ ንስኻ ኸኣ ኪዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፡ ንስኻን ብድሕሬኻውን ዘርእኻ ኣብ ወለዶኦም ትሕልዉ።
10: እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዘሎ እሞ ንስኻትኩም እትሕልዉዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዘበለ ዂሉ ይገዘር።
11: ስጋ ዕልቦኹም ግዘሩ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን መንጎኹምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።
12: ኣባኻትኩም ወዲ ሾሞንተ መዓልቲ ተባዕታይ ዘበለ ዂሉ፡ ኣብ ወለዶኹም፡ ኣብ ቤት እተወልደን ካብ ማንም፡ ካብ ዘርእኻ ዘይኰነ ወዲ ጓና ብገንዘብ እተዓደገን ይገዘር።
13: ኣብ ቤትካ እተወልደን ብገንዘብካ እተዓደገን ብግዲ ይገዘር። ኪዳነይ ኣብ ስጋኹም ኪዳን ዘለኣለም ኪኸውን እዩ።
14: ዘይተገዝረ ተባዕታይ፡ ስጋ ዕልቦኡ ዘይተገዝረ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኺዳነይ ኣፍሪሳ እያ እሞ፡ ካብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ”። ኣብዚ ግዜ ብዛዕባ ግዝረት ከምዘየድሊ ብዙሕ ይዝረብ መሰረቱ ግን እቲ ቃል ኪዳን ን ኣብርሃምን ንውሉዱን ዝተውሃበን እዩ፡ ውሉድ ኣብርሃም ኢና ንብል እንተ ኾይና እቲ ንውልዱ ዝተውሃበ ክንስዕብ ግቡእና እዩ፡ ኩሉ ሕጊ ግን ናብ ደምን ስጋን ጎይታናን መድሓኒናን ንምብጻሕ እዩ፡ እቶም ግዝረት ኣየድልን ዝብሉ ንደምን ስጋን ጎይታ ከመይ ከምዝገልጽዎን ዘነኣእስዎን ምድጋም ኣየጽልን!!
1. ብዘይካ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ | 2. ስእልን ምስልን ኣይተምልኽ | 3. ስም እግኣብሔር ብኸንቱ ኣይተልዕል | 4. መዓልቲ ሰንበት ኣኽብር | 5. ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር | 6. ኣይትቕተል | 7. ኣይትዘሙ | 8. ኣይትስረቕ | 9. ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር | 10. ኣይትመነ.
DONATIONS
Unfortunately the church need support from members and voluntary donations. The church asking you all members and voluntary to understand this. Please use church bank account number 16078503770 OR use vipps to 501129.
If any questions contact us here, thank you god bless you all.
Church service Hrs Friday 16፡00–20፡00 Sunday 06፡00–14፡00
Organisasjonsnr 987 807 7090
Copyright © 1985-2024 Eritrean orthodox church Oslo Norway