The Eritrean St.mary tewhado orthodox church Oslo Norway More info.call +4746276789 or mail to info@orthodox1.com Church is open every sunday 06:00am-14:00pm

www.orthodox1.com

     
ጾመ ነቢያት

         ጾመ ነቢያት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!

  ጾመ ነቢያት ካብ 15 ሕዳር ክሳብ 29 ታሕሳስ ልደት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይጽወም ! ጾመ ነቢያት፡ ነቢያት ዝጾምዎ ከምዝኾነ ካብ ዝተውሃቦ ስም ንርዳእ!  ነቢያት ይፈልጡ ከምዝነበሩ ኩለን መጽሓፍ ቅዱስ ዝጥቀማ ሃይማኖታት ዝሰማምዓሉ እዩ! ከምቲ ስምኦን ኣብ ወንጌል ሉቃስ 2፡34 ‘‘… እንሆ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን… ’’ ከምዝበላ ዝወድቕን ዝትንስእን ምፍላዩ ኣየሸግርን እዩ!!

  ነቢያት ጎይታ ዝውለደሉ ግዜ ከምዝኣኸለ ኣስተውዒሎም ጾሙ! ንሕና ኸኣ ኣሰር ኣቦታትና ተኸቲልና ካብ ሕዳር 15 ጀሚርና ክሳብ 28 ታሕሳስ ጼምና 29 ታሕሳስ ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ነብዕል። እዚ ከም ዕ ሽነት ዝቖጽርዎ ኣለዉ፡ ኣብቲ ከስተውዕልዎ ዘይክኣሉ ንኸእትዉኻ ዝጋደሉ ብዙሓት ኣለዉ እሞ ምስትውዓል ይሓትት እዩ! መጀመርያ ዓቕምኻ ምፍላጥ እዩ! መኽንያቱ ብዛዕባ ሃይማኖትካ ጎደሎ ኣለዎ ኢሎም ዝመጽኡኻ  ስርሖም እምበር እምነቶም ስለዘይኮነ እዩ! ንምእመናን ከሰናኽሎም ወይ ከጠራጥሮም ዝኽእል ዝብልዎ ቃላት ንኸናድዩ ኣይድቅሱን እዮም! ከይፈለጥካ ምስእትጸንሕ ከኣ ኣብ ጥርጥር የውድቑኻ! ናብ ካህናት ኣቦታት ወይ መምህራን ቀሪብካ እንተዘይተወኪስካ ከኣ ጥርጥር ናብ ወድቀት ይወስደካ!  ቤተክርስትያን ከኣ ውድቀት ክሕደት ንኸየጋጥም እያ ምእመን ኣብዘለውዎ ቤተክርስትያን እናቖመት ምእመናን ትከባከብ!  ስለዝኮነ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብቲ እምነት ምህላዉ ጥራሕ መምህር እዩ! መኽንያቱ እቶም ምሁራት ኢና ፈላጣት ኢና በሃልቲ ብ ኣምላኽነት ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኣምኑ፡ ኣማላድነት መላእኽትን ቅዱሳንን ዘይቅበሉ መምህሮም እዩ!!
  ኣብዚ ናይ ነቢያት ጾም ንምሃሮ ዓቢ ትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ብ ነቢይ ኢሳያስ 7፡14 ‘‘ ስለዚ እግዚኣብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ’’    ኢሳያስ 9፡6’’ ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተዋሂቡና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኩቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም መካር ብርቱ
ኣምላኽ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ ‘’ ኢሉ ዝተነግሮ
ኣምላኽ  ምዃኑ ብርግጽ ኣሚና እንጸሞን ንዘይፈልጥዎ እንገልጸሉን ጾም እዩ!!

  እግዚኣብሔር ብሰላም ኣብ ብርሃን ልደቱ የብጽሓና!!

Posted by on | Viewed 92 | | Printout Print