ሓ በ ሬ ታ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራት ምእመናን ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብ paltalk ኣብ ገዛና ወይ ኣብዘለናዮ ኮይና ክንከታትሎ ከም እንኽእል ተዳልዩልና ኣሎ። ኩላትን ኣብ ቤተክርስትያን ከምዘለና ኾይና በቲ ዝውሃበና ሓበሬታ እናተመራሕና መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዝሙርዳዊት ኣዳሊና ዝውሃበና ንባብ ፡ ስግደት ከምእንከታተል ተዳልዩ ኣሎ። ንከታተለሉ ERITREAN ORTHODOX TEWAHDO CHURCH እዩ፡ ካብ ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም ኦስሎ ብቐጥታ ዝሓልፍ ምደብ ኣሎ ፡ ንዘይፈልጡ ክንሕብር ወይ ኣፍልጦ ዘይብሎም ዓበይቲ ክንተሓባበር ናይኩላትና ሓላፍነት እዩ።
እግዚኣብሔር ምሕረቱ የውርደልና!!
ቤተክርስቲያን ቅድስትማርያም ኦስሎ ኖርወይ