Print
3ይ ስሙን ጾም (ምኩራብ)
 ምኩራብ፦ ናይ ዮሐንስ ወንጌል 2፡12-ፍጻሜ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱ ክርስቶስ ናብ ቤት መቕደስ ከይዱ ዕዳጋ ቀይረሞ ምስጸንሕዎ ቤተይ ንኹሉ ቤት ጸሎት እዩ እናበለ ካብ ገመድ ጭጉራፍ ተቲዑ ከምዘባረሮም ይገልጸልና! ሎሚኸ ቤተክርስትያን ንኹሉ ቤትጸሎት ዲዩ፧ ኣብ ኣቢያተ ክርስትያን እንታይ ይካየድ ኣሎ፧ እቶም ኣባጊዐይ ጓስዩ ተባሂሎም መፍትሕ መንግስተ ሰማይ ዝተቐበሉ ገለ ድኹማት ካናትን ሰዓብቶም ዲያቆናትን እቲ ጸረ ሃይማኖት ዝኾነ ድኹም ኣተሓሳስበኦም ብወገንን ዘይምልከቶም ጎዳይ ፖለቲክን ብምእታው ምእመናን ዝፈላልዩን ቤተክርቲያን ዝኸፋፍሉን እቲ ቤተይ ንኹሉ ቤት ጸሎት እዩ ዝበለ ጎይታ ኣብ ወዲ ዓደይ፡ ውዲ ኣውራጃይ ወዘተ ክብሉ እንተኣርከቦምሲ እንታይ ክገብሮም እዩ፧ ጎይታና ካብ ህጻንነቱ ኣሳዲደሞ፡ ጸሪፈሞ፡ ኣላጊጸምሉ ክሳብ ናይ መስቀል ሞት ፈሪደሞ ክሉ እናኽኣለ ምስ ምሉእ ሓይሉ ተዓጊስዎም እዩ ሓሊፍዎ! ቤት መቕደሱ መናገዲ ገይረሞ ምስጸንሕ ዎ ግን ክዕገሶም ኣይክኣለን፡ ንስኹም ቤት መቕደስ ኢኽም ይብለና ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ፡ እሞ ነዚ ቤትመቕደስ እዚ ዘፍርስን ዝኸፋፍልን ደአ ዓስቡ እንታይ እዩ ክኸውን፧ ይሰውረና!
    እግዚኣብሔር ምሓሪ እዩ እናተባህለ ብዙሕ ነገራት ይፍጸም ኣሎ! እግዚኣብሔር ብልክዕ መሓሪ ኣምላኽ እዩ! ግን ነቲ ክምሓር ዝግብኦ ከዝምሕር ፈሊጥና ኣብ እምነት እንተሃሊኻ ነብስኻ መርምር ከምዝብለና ናይ ኩሉ ሓዲግና ነብስና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከመይ ኣላ ኢልና ንመርምር! ካብ ብጥዑም ቃላት ዝተለበጠ ሓሶት ንጠንቀቕ! ስራሕ ሰይጥእን ኩሉ ግዜ ምስኡ ዝጠፍኡ ምንዳይ እዩ! እግዚኣብሔር ካብ እንስሳ ዝፈልየና ምስትውዓል ሂቡና እዩ፡ ከም በጊዕ ፋሲካ ንጥፍኣትና ሱቕ ኢልና ኣይንጎተት!!
Posted by on | Viewed 98 | | Printout