The Eritrean St.mary tewhado orthodox church Oslo Norway More info.call +4746276789 or mail to info@orthodox1.com Church is open every sunday 06:00am-14:00pm

www.orthodox1.com

     
6ይ ሰሙን ዓብዪ ጾም (ዘገብር ኄር)
 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!
 እሙን ኣገልጋሊ! "ንጎይታኡ ከምቲ ዝልኣኾ ኮይኑ ዝጽንሖ ኣገልጋሊ ኣየናይ`ዩ፧" ኩላትና ኣገልገቲ ጎይታ ኢና! ከመይ ኣለና፧ እቲ ናይ ምጽኣት ምልክታት ግሁድ ኮይኑ ይርአ ኣሎ፡ ናትና ምስትውዓል ክኣ ድኹም እዩ! ዝካየድ ዘሎ ጥልመት እንዃን ንፈጣሪ ንፍጡር ክትስምዖ ዘስደምም'ዩ! ሂወት ሰብ ምሕላፍ ቀሊል ኮይኑ! ሓሶት ነጊሱ! ሰብ ሃይማኖቱ ንኽርስዕ ዝግበሩ ጻዕርታት ልዕሊ ንቡር ይቀላጠፉ ኣለዉ፡ ገለ ን ኽብሪ ብዓል ዝመስል ኣብ መገዲ ተለጢፎም ካብ ዝርኣዩ፦ " ወጋሕ ትበል ለይቲ ብምኽንያት ብዓል ትንሳኤ ምስ ድምጻዊ/ት. . ."  ዘገርም ሰብ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ኣብ ቤተ ክርስትያኑ ከይሓድር ን ዕብዳን ይዕድምዎ! ካብ ከምዚ ንጠንቀቕ!!
 
መኑ ውእቱ ገብር ኄር ወምእመን ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ ወይሠምዮ ዲበ ኵሉ ንዋዩ ካዕበ ይቤሎ እግዚኣብሔር ገብር ኄር ወምዕመን ዘበውኁድ ምዕመነ ኮንከ ዲበ ብዙሕ እሰይመከ ባእ ውስተ ፍሥሓሁ ለእግዚእከ።
 
           ኦ እግዚኣብሔር ዘስተውዕል ልቢ ሃበና!!
Posted by on | Viewed 277 | | Printout Print