በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!! ናብ ፍርቂ ጾም ዘብጽሓና ልዑል እግዚኣብሔር ኣብ ትንሳኤኡ ብሰላም የብጽሓና!! ናይ ማቴዎስ ወንጌል 24 ፩ - ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። ፪ - ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ ኣሎኹም? ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን ኢዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ፫ - ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን ኢዩ? ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ ኢዩ? እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። ፬ -ኢየሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ፭ -ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጽኡ ኢዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ ኢዮም። ፮ -ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ ኢዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና ኢዩ። ፯ - ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል ኢዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን ኢዩ። ፰ - እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው ኢዩ። ፱ - ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትሉኹምን ኢዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ፲ - ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃህቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ ኢዮም። ፲፩ - ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ ኢዮም። ፲፪ - ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል ኢያ። ፲፫ - እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን ኢዩ። ፲፬ - እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ ኢዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። ፲፭ - እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፦ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፦ ልዑል እግዚኣብሔር ይመስገን! ማቴዎስ 24 እኹል፡ምሉእ፡ ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ትምህርቲ እዩ፡ ዓይነ ልቦናና ይኽፈተልና!! |