Print
4ይ ሰሙን ዓብዪ ጾም (መፃጒዕ)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!  መፃጒዕ ራብዓይ ሰሙን
ዓብዪ ጾም ጎይታና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ዓይነት ሕማም ዝነበሮም
ኣሕውይዎም ምዉታት ኣተንሲእዎም፡ ኩሉ ነናቱ መግለጺ እኳ እንተሃለዎ እቲ ኣብ ናይ
ዮሃንስ ወንጌል ምዕራፍ 5 እንረኽቦ ን 38 ዓመታት ዝተደንሰ መፃጉዕ ኣብ ዓራቱ ኾይኑ
ምንቅስቓስ ናይቲ ማይ ዝጽበ ዝነበረ ከም መምሃሪ ይግለጽ። ን38 ዓመታት ዝሰንከለ
ቀዲመሞ እናወረዱን እናተሓጸቡን ካብ ሕማሞም ይፍወሱ ነበሩ ንሱ ግን ተጸባዪ ስለ ዝኾነ
ናይ ምድሓን ዕድል ኣይረኸበን ጎይታ ምስ መጽአ ግን ካብ ዝነበሮጸገም ነጻ ገበሮ። 
ጎይታ ግን ብሓይሊ ንዓ ክትፍወስ ኣልካ ኢሉ ኣገዲዱ ኣይፈወሶን! ንሕና ውሉድና ሕጻናት
ብ ሓኪም ዝተኣዝዞም መድሃኒት ኣገዲድና ከም እንህቦም ዘይኮነስ ክትድሕን ዶ ትደልይ
ኢኻ ኢሉ ብምሕታት ብድሌቱ እዩ ኣሕውይዎ።
  ንሕናኸ፧ ጎይታና ምሉእ ናጽነት ሂቡና እዩ! ኣገዲዱ እመኑኒ ተገዝኡሉይ ስገዱለይ ኣይበለናን!
ንኣብነት '' ብ ህይወት ክትነብሩ ስጋይ ብልዑ ደመይ ስተዩ'' ኢሉና እምበር ኣየገደደናን! 
ስለዝኾነ እቲ ኩሉ ከምቲ የርብሓኒ እዩ ዝበሎ ይገበር ኣሎ! ብምግዳድ እንተዝኸውን ግን
ፍልልዩ ከም ኣስራትን(ዕሽር) ቀረጽ መንግስትን ምስኮነ!!
   ጎይታና ኽኣ ክትፍወሱ ዶ ትደልዩ ኢኹም ኢሉ ፍቓደኛታት ምዃና ይሓተና ኣሎ!
መልስና እንታይ እዩ፧ ንሓኪም ሕማምና ከም እንነግሮ ኣይኮነን፡ ጎይታ ሕማምና ይፈልጦ እዩ!
መልስና ኢዩ ዝጽበየና ዘሎ! መራኸቢና ኸኣ ጸሎት፡ ጾም እዩ!! 
 
     እግዚኣብሔር ኣይፈለየና ጾምና ብሰላም የፈጽመና!!
           

Posted by on | Viewed 369 | | Printout