Print
መዓልቲ 50 (ጰራቅሊጦስ)

 

    ቅዱስ መንፈስ ዝመርሖ ን ድንግል ማርያም ይውድስ!    ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ኸኣ በንጻሩ!!

ሉቃስ 1- ፴፱ - በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት። ፵ - ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። ፵፩ - ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡ ፵፪ - ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፥ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ ኢዩ። ፵፫ - ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ? ፵፬ - እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሰረ። ፵፭ - እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም ኢዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ ኢያ።

 

ደብረሲና



innovaeditor/assets/Menfes part 1.jpg
Posted by on | Viewed 1791 | | Printout