The Eritrean St.mary tewhado orthodox church Oslo Norway More info.call +4746276789 or mail to info@orthodox1.com Church is open every sunday 06:00am-14:00pm

www.orthodox1.com

     
8ይ ሰሙን ሆሳእና

 

 ትምቢት ዘካርያስ 9፡9 ኣቲ ጓል ጽዮን ኣዚኺ ተሓጎሲ፡ኣቲ ጓል ዮርሳሌም እልል በሊ። እንሆ ንጉስኪ ጻድቕ፡መድሓንን ትሑትን እዩ፡ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ። 

  ከም ትምቢት ነብዪ ዘካርያስ ‘‘ኣቲ ጓል ጽዮን ኣዚኺ ተሓጎሲ’’ይብል። ሓጎስን ኣዚኻ ምሕጓስን ፍልልይ ኣለዎ ምናልባት ተሓጒስና ስሒቕና ንኸውን ኣዚና ኣብዝተሓጎስናሉ ግዜ ኸኣ ነቢዕና ንኸውን ኢና ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎ 21 ፡ማርቆስ11 ፡ ሉቃስ 19 ፡ ዮሃንስ 12 :ተጻሒፉልና ከምዘሎ ኣብ ቤተ ፋጌ ምስ በጽሐ ሃዋርያት ልኢኹ ነታ እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ…ከምዝበሎም ንጎይታ ነድልዮ ኢና፡ ሃዋርያት ካህናቱ ልኢኹ ካብ ሓጥያትና ኣንጺሆም ብማእሰር ቕንዕቲ ሃይማኖት ክሳብ ምጽኣት ምስንጸንዕ ኣብ የማኑ ከቕምጠና ስለዝክኣሎ እቶም ሃይማኖትና ከየቃለልና ብማእሰር ቅንዕቲ ሃይማኖት ጸኒዕና ዘለና ኣዚና ንትሓጎስ!! 


Download PDF
Posted by on | Viewed 1842 | | Printout Print