The Eritrean St.mary tewhado orthodox church Oslo Norway More info.call +4746276789 or mail to info@orthodox1.com Church is open every sunday 06:00am-14:00pm

www.orthodox1.com

     

ALL POSTED

28 ነሐሰ ይስሃቅ
      ይስሃቅ
28 ነሓሰ ኣባ ኣብርሃም እነብዕለሉ ቅዱስ መዓልቲ እዩ። በፍላይ ክኣ ቅዱስ ኣቦና
ይስሃቅ እቲ ምሳሌ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ምስ ዓቢ ኣልኪዳን ይዝከር!
ሓደ ካብቲ ዘተውሃቦ ቃል ኪዳን ብስሙ ውልዱ ዝጸውዐ ክምሕርውሉ ምዃኑ ጎይታና
ቃል ኣትይሉ!  ይስሐቅ/ ይስሃቅ/ኢሳቅ ኢልና እንጽውዖ ቅዱስ መጽሓፍ ከመይ ይገልጾ፧
                ዘፍጥረት 18
9-ንሳቶም ድማ፡ ሰበይትኻ ሳራኸ ኣበይ ኣላ፧ በልዎ ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ፡ በለ።10-ሽዑ ንሱ፡
ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡
በለ። ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት።11-ሕጂ ድማ ኣብርሃምን
ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ፡ ንሳራ ድማ እቲ ልምዲ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ። 12-ሳራ
ኸኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐት፡ ድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ኪልዓለኒ፧ ጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ።
13-እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራ፡ ኣሪገ ኸሎኹስ፡ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፧
ኢላ ሰሓቐት፧ 14-ንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር ኣለዎ፧ ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ
ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በሎ።15-ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቕኩን፡
 ኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ግና፡ ኣይፋል፡ ስሒቕኪ ...

full article here >>
Posted by admin on 09/03/2018 11:56 | Viewed 31 | Comments (0) | Printout Print

       

       
[Home] [Prev]  1 2 [3] 4 5 6 7 ... 72 [Next]3-3 of 72