ማቴዎስ 14:1-12
1 በቲ ጊዜ እቲ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት፡ ወረ ኢየሱስ ሰምዔ።
2 ንገላዉኡ ድማ፡ እዚ ዮሃንስ መጥመቕ እዩ። ንሱ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ አሎ፡
ስለዚ ኸኣ እዚ ሓይልታትዚ ብእኡ ይግበር አሎ፡ በሎም።
3-4 ዮሃንስ ንሄሮድስ ብዛዕባ እታ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፡ ንሳ ንኣኻ ኽትከውን ኣይተፈቕደልካን፡
ኢልዎ ነበረ እሞ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ ብሰራ ሒዙ ኣሲሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ።
5ኪቐትሎውን ይደሊ ነበረ፡ ግናኸ እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ፈርሆም።6ሄሮድስ እተወለደላ መዓልቲ ምስ ኣብዐሉ፡ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኰይና ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስ ከኣ ኣሐጐሰቶ።7ሽዑ ዝደለየቶ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ።8ንሳ ኸምቲ ኣዲኣ ቕድም ዝመኸረታ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኣብዚ ሀበኒ፡ በለቶ። 9እቲ ንጉስ ጐሀየ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ኣብ መኣዲ መቓምጡን ግና ኪሀብዋ ኣዘዘ። 10ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰሪ ኣሰየፈ።11እታ ርእሱ ኣብ ሒላብ ገይሮም ከኣ ነታ ጓል ሀብዋ። ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ። 12ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም፡ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበሩ። ከይዶም ከኣ ንኢየሱስ ...
full article here >>