ይስሓቅ
28 ነሓሰ ኣባ ኣብርሃም እነብዕለሉ ቅዱስ መዓልቲ እዩ። በፍላይ ክኣ ቅዱስ ኣቦና
ይስሃቅ እቲ ምሳሌ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ምስ ዓቢ ቃኪዳን ይዝከር!
ሓደ ካብቲ ዘተውሃቦ ቃል ኪዳን ብስሙ ውልዱ ዝጸውዐ ክምሕረሉ ምዃኑ ጎይታና
ቃል ኣትይሉ! ይስሐቅ/ ይስሃቅ/ኢሳቅ ኢልና እንጽውዖ ቅዱስ መጽሓፍ ከመይ ይገልጾ፧
ዘፍጥረት 18
9-ንሳቶም ድማ፡ ሰበይትኻ ሳራኸ ኣበይ ኣላ፧ በልዎ ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ፡ በለ።10-ሽዑ ንሱ፡
ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡
በለ። ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት።11-ሕጂ ድማ ኣብርሃምን
ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ፡ ንሳራ ድማ እቲ ልምዲ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ። 12-ሳራ
ኸኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐት፡ ድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ኪልዓለኒ፧ ጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ።
13-እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራ፡ ኣሪገ ኸሎኹስ፡ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፧
ኢላ ሰሓቐት፧ 14-ንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር ኣለዎ፧ ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ
ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በሎ።15-ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቕኩን፡
ኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ግና፡ ኣይፋል፡ ስሒቕኪ ...
full article here >>