The Eritrean St.mary tewhado orthodox church Oslo Norway More info.call +4746276789 or mail to info@orthodox1.com Church is open every sunday 06:00am-14:00pm

www.orthodox1.com


 

 

       በስ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!

ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም ኦስሎ ዝነበረ ጽበት ንምቅላል ሓድሽ ዝተገዝአ ህንጻ ንተክርስትን ብዝጥዕም ንምቛም ኣብ ምትዕርራይ ትርከብ ከም ዕብየት ናይቲ ህንጻን ናብ ቤተክርስትያን ምቕያርን ግዜን ጉልበትን ባጀትን ዝሓትት እዩ! ክሳብ ሕጂ ብ ውሉደ ቤተክርስትያን ዝበዝሕ ብነጻ ጉልበት ንዋትን ኣዴታት ኣሓትን ከኣ ንዓየይቲ መግብን መስተን ኣብ ስራሕ እናተሓጋገዛ ዝበዝሕ ተዓሚሙ ኣሎ።  ኣብዚ ዝተረፈ ዝወሓደን ዝቐለለን ስራሕ እቶም ዘይፈለጥኩም ንኽትፈልጡ፡ እቶም ዝፈለጥኩም ኣብዝጥዕመኩም  ዓቕምኹም ብዝኽእሎ ክትሳተፉን ተኻፈልቲ በረኸት ንኽትኮኑን ክንሕብር ንፈቱ።

   ናይ ዝኾነ ሰብ ሓገዝ ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ምግላጽ ኣገዳሲ እዩ፡ ኩሉ ኣብ ዝተረኸበሉ ግዜ ግደ ኣለዎ እሞ ነብስና ከየነኣኣስና ኣብ ናይስራሕ ቦታ ንረኸብ።

ናይ ስራሕ ግዜ ካብ 10፡00 -17፡00  ቀዳም 10፡00- 18፡00  ሰምበት፦ ዕረፍቲ  

 ኣድራሻ፦ Stanseveien 6, 0975 Oslo


    ብገንዘብ ክንሕግዝ እንተደሊና ፦

vipps  501129    bank  16078503770

 

                  እግዚኣብሔር መፈጸምኡ የርእየና!! 

ን ሓገዝ ወይ ልቓሕ ዝምልከት ኣብ  PDF ተመልከቱ።  ልቓሕ  PDF             ናይ ህንጻ ስራሕPDF

 


ሓድሽ ህንጻ ቤተክርስትያን ኣብ ምድላው 

Posted by admin on 12/06/2020 | Viewed 78 times
 
 
 

በረኸታ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ምስ ኩላትና ይኹን!!

21 Hdar ( HDAR TSIYON) 

Posted by admin on 11/29/2020 | Viewed 564 times
 

         ጾመ ነቢያት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!

  ጾመ ነቢያት ካብ 15 ሕዳር ክሳብ 29 ታሕሳስ ልደት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይጽወም ! ጾመ ነቢያት፡ ነቢያት ዝጾምዎ ከምዝኾነ ካብ ዝተውሃቦ ስም ንርዳእ!  ነቢያት ይፈልጡ ከምዝነበሩ ኩለን መጽሓፍ ቅዱስ ዝጥቀማ ሃይማኖታት ዝሰማምዓሉ እዩ! ከምቲ ስምኦን ኣብ ወንጌል ሉቃስ 2፡34 ‘‘… እንሆ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን… ’’ ከምዝበላ ዝወድቕን ዝትንስእን ምፍላዩ ኣየሸግርን እዩ!!

  ነቢያት ጎይታ ዝውለደሉ ግዜ ከምዝኣኸለ ኣስተውዒሎም ጾሙ! ንሕና ኸኣ ኣሰር ኣቦታትና ተኸቲልና ካብ ሕዳር 15 ጀሚርና ክሳብ 28 ታሕሳስ ጼምና 29 ታሕሳስ ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ነብዕል። እዚ ከም ዕ ሽነት ዝቖጽርዎ ኣለዉ፡ ኣብቲ ከስተውዕልዎ ዘይክኣሉ ንኸእትዉኻ ዝጋደሉ ብዙሓት ኣለዉ እሞ ምስትውዓል ይሓትት እዩ! መጀመርያ ዓቕምኻ ምፍላጥ እዩ! መኽንያቱ ብዛዕባ ሃይማኖትካ ጎደሎ ኣለዎ ኢሎም ዝመጽኡኻ  ስርሖም እምበር እምነቶም ስለዘይኮነ እዩ! ንምእመናን ከሰናኽሎም ወይ ከጠራጥሮም ዝኽእል ዝብልዎ ቃላት ንኸናድዩ ኣይድቅሱን እዮም! ከይፈለጥካ ምስእትጸንሕ ከኣ ኣብ ...


full article here >>
 

Posted by admin on 11/24/2020 | Viewed 93 times
 
 

Posted by admin on 11/20/2020 | Viewed 122 times
 
ብሰላም ናብ ደብረ ቁስቋም እንቛዕ ኣብጽሓና  በረኸት ናይ ኣዴና ድንግል ማርያም የካፍለና!!
 

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ  ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!  6 ሕዳር ክቡር ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣዲኡ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ዮሴፍን ሶለሜን ካብ ስደት ኣብ ዝምለስሉ ግዜ ደብረ ቁስቋም ኣትዮም ካብ ድኻሞም ዝዓረፍሉ መዓልቲ እዩ።

 ዳግማይ ኣብቲ ሕራይ ዘመን ን ሃዋርያት ኣኪቡ ታቡትን ቤተክርስትያንን ኣኽቢሩ መስዋእቲ ቁርባን ኣዳልዩ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደን ንወገኑ ሃቦም።  ዚ ኸኣ ናይሃገረ  እስክንድርያ ቅዱሳት ጳጳሳት ኣባ ቄርሎስን ኣባ ቲወፍሎስን ምስክር ኮኑ።

 እግዚኣብሔር ምስጋና ይኹን፡ ን ኣምላኽ ዝወለደት በረኸታ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም  ምስኩላትና ይኹን ኣሜን!!

 ሰላም ለኣእጋሪከ፡ ውስተ ደብረ ቁስቋም እለ ጌሣ፡ ማርያም ክርስቶስ አመ ጎየይከ ደወለ ንሒሳ። ህየ እንዘ ይነሥእ ኃይለ አንበሳ። እንተ ሠመርከ በኅድዓት ለነፍሱ ታፍልሳ። ሰለም ሰላም ለወልደ ዮሴፍ ዮሳ።
6 ሕዳር   (ደብረ ቁስቋም) 

Posted by admin on 11/14/2020 | Viewed 2096 times
 

[Prev]  1 [2] 3 4 5 6 7 ... 21 [Next]6-10 of 102