The Eritrean St.mary tewhado orthodox church Oslo Norway More info.call +4746276789 or mail to info@orthodox1.com Church is open every sunday 06:00am-14:00pm

www.orthodox1.com


Monthly Archives: APRIL 2018


ዳግማይ ትንሳኤ 

Posted by admin on 04/14/2018 | Viewed 141 times
 
 
 
ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ እንቛዕ ብሰላም ኣብጽሓና!! 
 

Posted by admin on 04/08/2018 | Viewed 134 times
 
     እግዚኣብሄር ይመስገን!  ጎይታ ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ ( ዓርቢ) ብመልክዑን ብ ኣምሳሉን ንሰብ ምስፈጠሮ ዕዮኡ ፈጸመ። ድሕነት ደቂ ሰብ ምስ ኣኸለ ኸአ ብ ዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ናይ ሞት ዕዳና ደምሰሶ! ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንሞትና ኸኣ ብሞቱ ሰዓሮ!! ዓርቢ መፈጸምታ ከም ምዃና ሓጥያት (ናይ ዕዳ ጽሕፈትና ) ዝፍጸመሉ ስለዝኾነ ብዓርቢ ኾነ ።
    ኣምላኽና ተሰቒሉ ሞይቱ ተንሲኡ ክንብል እንከለና ድንቁርና ዝመስሎም ኣለዉ! እቲ ሓቀኛ ኣምላኽና ግን ክሳብ እዛ ስዓት እዚኣን ንዘለኣለምን ህያው ስለዝኾነ ተስፋና እዩ!! 
 
           ብሰላም ኣብ ሰናይ ትንሳኤኡ የብጽሓና!!
  
 

Posted by admin on 04/05/2018 | Viewed 160 times
 
 ጎይታ ኣብ ቅፍር ናሆም ብዛዕባ እንጌራ ክምህሮም እንከሎ ከምዚ ኢልዎም ነበረ፥ ዮሃ፥፮፡  ፳፭ ፶፰
 ፳፭- ኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ፥ ረቢ፡ መኣዝ ናብዚ መጻእካ፡ በልዎ። ፳፮ - ኢየሱስ ድማ፥ እትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ተኣምራት ስለ ዝርኤኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ፳፯ - ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሓቲምዎ እዮ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዚህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትግበሩ’ ኢሉ መለሰሎም። ፳፰ - ስለዚ ንሳቶም፥ ግብሪ ኣምላክ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፡ በልዎ። ፳፱ - ኢየሱስ ከኣ። ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዮ፡ በሎም። ፴ - ስለዚ፥ ርኢና ክንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ እሞ ትገብር? እንታይከ ትገብር ኣሎኻ? ፴፩ - ኣቦታትና፡ ከምቲ ኺበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሃቦም፡ ዚብል እተጻሕፈ፡ ኣብ በረኻ ማና በልዑ፡ በልዎ። ፴፪ ፡ ፴፫ - ሽዑ ኢየሱስ፥ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዮ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ኻብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዮ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ...

full article here >>
 

Posted by admin on 04/04/2018 | Viewed 157 times
 
 
ሕማማት፥ጎይታ ን ኢዮርሳሌም ምስ ደየበ ብሓጎስ ኣፍ ዘይከፈቱ ህጻናት ከይትረፉ እናዘመሩ
ተቐበልዎ፡ ሉቃስ 19፡41፥ ምስ ቀረበን ነታ ከተማ ምስ ረኣያን ከምዚ ኢሉ ኣልቀሰላ፡
42፥ "ኣየ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዝኸውን እንተትፈልጢ። ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ"።
  እዛ ናይ ሎሚ ኢዮርሳሌም ወይ ዓለም ብምልእታ እንታይ ይብለና፧  
ገላትያ  6፡4-5፥ ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር ኢዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡
ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ ኢዩ።
  ንሱ ንሕማምና ከምዝጸሮ መስቀሉ ክንጸውር ኣኻእሎ ይሃበና!! ብሰላም ኣብ ትንሳኤኡ የብጽሓና!!
 

Posted by admin on 04/03/2018 | Viewed 106 times
 
A A A
RSS-FEED

[Home] 1-5 of 5