The Eritrean St.mary tewhado orthodox church Oslo Norway More info.call +4746276789 or mail to info@orthodox1.com Church is open every sunday 06:00am-14:00pm

www.orthodox1.com


Monthly Archives: MARCH 2018


Download PDF 

Posted by admin on 03/31/2018 | Viewed 598 times
 
በስመ ኣኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኅዱ ኣምላክ ኣሜን!! ናብ 7ይ ሰሙን (ኒቆዲሞስ) ዘብጽሓናልዑል ፈጣሪ ብሰላም ናብ በዓለ ሆሳእናን ትንሳኤኡን የብጽሓና!!
Download PDF 

Posted by admin on 03/24/2018 | Viewed 608 times
 
 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!
 እሙን ኣገልጋሊ! "ንጎይታኡ ከምቲ ዝልኣኾ ኮይኑ ዝጽንሖ ኣገልጋሊ ኣየናይ`ዩ፧" ኩላትና ኣገልገቲ ጎይታ ኢና! ከመይ ኣለና፧ እቲ ናይ ምጽኣት ምልክታት ግሁድ ኮይኑ ይርአ ኣሎ፡ ናትና ምስትውዓል ክኣ ድኹም እዩ! ዝካየድ ዘሎ ጥልመት እንዃን ንፈጣሪ ንፍጡር ክትስምዖ ዘስደምም'ዩ! ሂወት ሰብ ምሕላፍ ቀሊል ኮይኑ! ሓሶት ነጊሱ! ሰብ ሃይማኖቱ ንኽርስዕ ዝግበሩ ጻዕርታት ልዕሊ ንቡር ይቀላጠፉ ኣለዉ፡ ገለ ን ኽብሪ ብዓል ዝመስል ኣብ መገዲ ተለጢፎም ካብ ዝርኣዩ፦ " ወጋሕ ትበል ለይቲ ብምኽንያት ብዓል ትንሳኤ ምስ ድምጻዊ/ት. . ."  ዘገርም ሰብ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ኣብ ቤተ ክርስትያኑ ከይሓድር ን ዕብዳን ይዕድምዎ! ካብ ከምዚ ንጠንቀቕ!!
 
መኑ ውእቱ ገብር ኄር ወምእመን ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ ወይሠምዮ ዲበ ኵሉ ንዋዩ ካዕበ ይቤሎ እግዚኣብሔር ገብር ኄር ወምዕመን ዘበውኁድ ምዕመነ ኮንከ ዲበ ብዙሕ እሰይመከ ባእ ውስተ ፍሥሓሁ ለእግዚእከ።
 
           ኦ እግዚኣብሔር ዘስተውዕል ልቢ ሃበና!!
 

Posted by admin on 03/17/2018 | Viewed 647 times
 
     በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!
ናብ ፍርቂ ጾም ዘብጽሓና ልዑል እግዚኣብሔር ኣብ ትንሳኤኡ ብሰላም የብጽሓና!!
 ናይ ማቴዎስ ወንጌል 24   
 ፩ - ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ።
፪ - ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ ኣሎኹም? ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን
ኢዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ፫ - ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ
መኣዝ ኪኸውን ኢዩ? ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ ኢዩ? እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ
ቐረቡ። ፬ -ኢየሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ፭ -ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት
ብስመይ ኪመጽኡ ኢዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ ኢዮም። ፮ -ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም።
ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ ኢዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና ኢዩ። ፯ - ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡
መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል ኢዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን
ኪኸውን ኢዩ። ፰ - እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው ኢዩ። ፱ - ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን
ኪቐትሉኹምን ኢዮም። ብዛዕባ ...

full article here >>
 

Posted by admin on 03/10/2018 | Viewed 981 times
 
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!  መፃጒዕ ራብዓይ ሰሙን
ዓብዪ ጾም ጎይታና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ዓይነት ሕማም ዝነበሮም
ኣሕውይዎም ምዉታት ኣተንሲእዎም፡ ኩሉ ነናቱ መግለጺ እኳ እንተሃለዎ እቲ ኣብ ናይ
ዮሃንስ ወንጌል ምዕራፍ 5 እንረኽቦ ን 38 ዓመታት ዝተደንሰ መፃጉዕ ኣብ ዓራቱ ኾይኑ
ምንቅስቓስ ናይቲ ማይ ዝጽበ ዝነበረ ከም መምሃሪ ይግለጽ። ን38 ዓመታት ዝሰንከለ
ቀዲመሞ እናወረዱን እናተሓጸቡን ካብ ሕማሞም ይፍወሱ ነበሩ ንሱ ግን ተጸባዪ ስለ ዝኾነ
ናይ ምድሓን ዕድል ኣይረኸበን ጎይታ ምስ መጽአ ግን ካብ ዝነበሮጸገም ነጻ ገበሮ። 
ጎይታ ግን ብሓይሊ ንዓ ክትፍወስ ኣልካ ኢሉ ኣገዲዱ ኣይፈወሶን! ንሕና ውሉድና ሕጻናት
ብ ሓኪም ዝተኣዝዞም መድሃኒት ኣገዲድና ከም እንህቦም ዘይኮነስ ክትድሕን ዶ ትደልይ
ኢኻ ኢሉ ብምሕታት ብድሌቱ እዩ ኣሕውይዎ።
  ንሕናኸ፧ ጎይታና ምሉእ ናጽነት ሂቡና እዩ! ኣገዲዱ እመኑኒ ተገዝኡሉይ ስገዱለይ ኣይበለናን!
ንኣብነት '' ብ ህይወት ክትነብሩ ስጋይ ብልዑ ደመይ ስተዩ'' ኢሉና እምበር ኣየገደደናን! 
ስለዝኾነ እቲ ኩሉ ከምቲ የርብሓኒ እዩ ዝበሎ ይገበር ኣሎ! ብምግዳድ እንተዝኸውን ግን
ፍልልዩ ከም ኣስራትን(ዕሽር) ቀረጽ መንግስትን ምስኮነ!!
   ጎይታና ኽኣ ክትፍወሱ ዶ ትደልዩ ኢኹም ኢሉ ፍቓደኛታት ምዃና ይሓተና ኣሎ!
መልስና እንታይ እዩ፧ ንሓኪም ሕማምና ከም እንነግሮ ኣይኮነን፡ ጎይታ ሕማምና ...

full article here >>
 

Posted by admin on 03/05/2018 | Viewed 717 times
 

[Home] 1-5 of 5