The Eritrean St.mary tewhado orthodox church Oslo Norway More info.call +4746276789 or mail to info@orthodox1.com Church is open every sunday 06:00am-14:00pm

www.orthodox1.com


Monthly Archives: FEBRUARY 2019


   16 ለካቲት ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ን ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብጸሎታን ልመናኣን ምእንተ ድሕነት ደቂ ሰብ ቃል ኪዳን ዝኣተወላ መዓልቲ እያ! እግዚኣብሄር እንተ ሓርዩ ክቕይሩ ዝኽእል የሎን እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ምሕራይ ክኣ ሕርየት እዩ! ቃል ዕሽነት ካብ እምነት ዝወጽኡ ሰሚዕና ከይንታለል ወይውን ኣብ ጥርጥር ከይንወድቕ ንጠንቀቕ!! 
      በረኸታ ናይ ቅድስቲ ድግል ማርያም ምስኩላትና ይኹን!!
16 ለካቲት 

Posted by admin on 02/23/2019 | Viewed 117 times
 

  ርሑስ ጾም ይግበረልና!  ን ነነዌ ምሕረት ከምዘውረደሎም ብመሕረቱ ይዘከረና !! ነነዌ ብናይ ሰለስተ መዓልቲ ጾም ምሕረት ረኺቦም፣ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ዮናስ እንተ ተመልኪትና እግዚኣብሄር ን ዮናስ ናብ ነነዌ ክልእኮ ዮናስ እግዚኣብሄር ምሓሪ ኣምላኽ ስለዝኾነ ሓሳዊ ነብዪ ንኸይብሃል ካብ እግዚኣብሄር ንኽስወር ናብ ተርሴስ ክሃድም መርከብ ከምዝኣተወ ንምልከት እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ከምዝርከብ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን ካብ እግዚኣብሄር ሃዲሙ እንታይ ደኣ ኣብ ትርበሸሉ ግዜ ምስትውዓል ከምዝጎድለካ ንኽንምሃር እምበር። ኣብ መጨረሻ እታ መርከብ ምስተረበሸት ኣነ እየ በዳሊ ንዓይ ኣብዚ ባሕሪ ደርብዮኒ ኢሉ ዮናስ ከምኡ ምስገበሩ ኽኣ እቲ ባሕሪ ሃደአ።  ንሕና ከኣ ምሕረት ክንረክብ በዳሊ እየ ኢልና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንቕረብ።

    መዘኻኸሪ ዓሚ ጾመ ኣርብዓ ዘይጾመ መንእሰይ ኣጋጢሙና ስለምንታይ ዘይጾምካ እንተተብሃለ  ጾመ ነነዌ ስለ ዘይጾምኩ ክብል መሊሱ።  እቲ ምኽንያት ግን ንኸይጸውም ዝተገብረ እዩ ነይሩ!  ከምዚ ከይድገም ምናልባት ጾመ ነነዌ ብፍላጥ ወይ ብዘይ ፍላጥ ከይጾምና እንተ ሓለፍናዮ ካብ ዓብዪ ጾም ኣይንኽልከልን ኢና። ክምዚ ክብሃል እንከሎ ግን ነቲ በቲ ዝተሰርዓሉ ዝመላለስ ኣይምልከትን እዩ! 

    እግዚኣብሄር ...


full article here >>
ጾመ ነነዌ 18-20/02/2019  (11-20  ለካቲት) 

Posted by admin on 02/17/2019 | Viewed 3036 times
 

[Home] 1-2 of 2