
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!
5 ሕዳር ርእሲ ቅዱስ ለንጊኖስ
ዝተረኽበሉ መዓልቲ እዩ። ቅዱስ ለንጊኖስ ጎይታ ምስ ተሰቕለ ምሟቱን ሃለውቱን ከረጋግጽ ጎድኑ ብ ኲናት ዝወግኦ እዩ። ድሕሪኡ ግን ናብ ሃዋርያት ቀሪቡ ብጎይታ ከምዝ ኣምንን እንታይ ክገብር ክምዝግቦን
ተወክሶም፡ ሃዋርያት ከኣ ኩሉ ኣረዲም ወንጌል ንኽሰብኽ ናብቲ ብጽሒቱ ሃገረ ቀጶደቂያ ተላእከ፡ ብስብከቱ ዝተቖጥዑ ከሓድቲ ኣይሁድ ተንስእዎ ናይሓሶት
ክሲ ኣብ መኳንንቲ ኣቕሪቦም ከኣ ርእሱ ኣሰየፍዎ። ርእሱ ፈሊዮም ከኣ ን ኢዮርሳሌም ወሰድዋ ኣብ ኢዮርሳሌም ዝነብሩ ኣይሁድ ከኣ ምስረኣዩዋ ብዙሕ ተደሰቱ። ካብ ኢዮርሳሌም
ኣውጺኦም ከኣ ቀበርዋ።
ድሕሪ ብዙሕ መዓልታት ኣብ ቀጶዶቅያ ብስብከት ለንጊኖስ ዝኣመነት ሰበይቲ ነበረት
ካብቲ ርእሱ ዝቖረጽሉ ግዜ ጀሚራ ኣብቲ ዝቖረስሉ ኮይና ስሊኡ ትበኪ ነበረት፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ከኣ ኣዒንታ ዓወራ፡፡ ድሕሪዚ ኣብ
ቅዱሳት ቦታ መቓብር ጎይታ ተሳሊመ ኣዒንተይ እንተ ተኸፍታ ኢላ ወዳ መሪሕዋ ኒዮርሳለም ከደት ኢዮርሳለም ምስበጽሑ ኸኣ ወዳ ሞተ፡
ሓዘና በርትዐ፡ መሪሁ ንሃገራ ዝወስዳ ከኣ ሰኣነት፡ መሪር ብኽያት እናበኸየት ከኣ ድቃስ ወሰዳ እሞ ሕልሚ ሓለመት ...
full article here >>